ሉቃ 24፡25-27,32,44-47፡ ግብሪ ሃዋርያት 8፡34-35፡ ግብሪ ሃዋርያት 17፡2-3 ኣብ ብሉይ ኪዳን፡ እዝራ ካህን ንዅሎም ህዝቢ እስራኤል ምስ ኣከበ፡… መጽሓፍ ሕጊ ሙሴ ክርድኡ ምሂሩዎም፣ እቶም ህዝቢ ቃል ሕጊ ምስ ሰምዑ በኸዩ። (ነህምያ 8፡1-9)

እቲ ካብ ሞት ዝተንስአ ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ተራእዩ፡ ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ምእንቲ ክግንዘቡ፡ ብዛዕባ ብሉይ ኪዳን ገለጸሎም። (ሉቃ 24፡25-27፡ ሉቃ 24፡32፡ ሉቃ 24፡45-47)

ፊልጲስ ንኢትዮጵያዊ ስሉብ ብሉይ ኪዳን ገሊጽዎ፡ ኢየሱስ ክርስቶስ ምዃኑ ክግንዘብ። (ግብ 8፡34-35)

ኣብተን ሰለስተ ሰናብቲ ጳውሎስ ብዛዕባ ብሉይ ኪዳን ገሊጹ ኢየሱስ ክርስቶስ ምዃኑ መስኪሩ። (ግብ 17፡2-3)