ግብሪ ሃዋርያት 13፡26-41 ኣብ ብሉይ ኪዳን እግዚኣብሔር ነቶም ብኣምላኽ ዘይኣመኑ ህዝቢ እስራኤል ምጥፋእ እዩ ተዛሪቡ። (ኣንባቆም 1፡5-7)

ኢየሱስ ኩሉ እቲ ኣብ ብሉይ ኪዳን ዝነበረ ቃላት ክርስቶስ ኣብኡ ከም ዝተፈጸመ ገሊጹ። ማለት ኢየሱስ እቲ ነብያት ብሉይ ኪዳን ክመጽእ እዩ ዝበልዎ ክርስቶስ እዩ። ሕጂ ንኢየሱስ ከም ክርስቶስ እንተዘይኣሚንካ ልክዕ ከምቶም ኣረጊት እስራኤል ክትጠፍእ ኢኻ። (ግብ 13፡26-41)