ሉቃ 4፡14-15፡ ግብሪ ሃዋርያት 13፡14-39፡ ቆሎሴ 4፡16፡ 1 ተሰሎንቄ 5፡27 ጳውሎስ ንቤተ ክርስቲያን ብሉይ ኪዳንን መልእኽትታት ጳውሎስን ብቐጻሊ ከምተንብብ ገበሮ። ጳውሎስ ውን መራሕቲ ቤተ ክርስቲያን በዚ ነገራት እዚ ኢየሱስ እቲ ኣብ ብሉይ ኪዳን ዝተነበየ ክርስቶስ ምዃኑ ንቅዱሳን ከም ዝምህሩ ገይርዎም። (1ጢሞ 4፡13, ቆሎሴ 4፡16, 1 ተሰሎንቄ 5፡27)

ኣብ ምኩራብ ኢየሱስ ብሉይ ኪዳን ከፊቱ ንኣይሁድ ብዛዕባ ክርስቶስ መሃሮም። (ሉቃ 4፡14-15)

ጳውሎስ እውን ነቲ ኣይሁድ ኣብ ምኩራብ ዘንበብዎ ብሉይ ኪዳን ገሊጹ፡ ኢየሱስ እቲ ኣብ ብሉይ ኪዳን ዝተነበየ ክርስቶስ ምዃኑ ምስክር እዩ። (ግብ 13፡14-39)