2ጢሞ 4፡8፡ እብራውያን 11፡24-27፡ ዮሃ 8፡56፡ ኤፌሶን 6፡24, 1ቆሮ 16፡22 ኣቦታት እምነት እኳ ንክርስቶስ የፍቅርዎ እምበር ኣይረኣይዎን። (እብራውያን 11፡24-27፡ ዮሃንስ 8፡56)

ንሕና እቶም ኢየሱስ ክርስቶስ ምዃኑ እንኣምን እኳ ሕጂ ክንርእዮ ኣይንኽእልን ኢና፡ ግናኸ ንፈትዎ ኢና። (1ጴጥ 1፡8, ኤፌሶን 6፡24)

እቶም ኢየሱስ ክርስቶስ ምዃኑ ዘይኣምኑን ዘየፍቅርዎን ርጉማት እዮም። እንተኾነ ግና ኣኽሊል ጽድቂ ነቶም ኢየሱስ ክርስቶስ ምዃኑ ዝኣምኑን ንኢየሱስ ዘፍቅሩን ምምላሱ ዝናፍቑን ዝተሓዝአ እዩ። (1ቆሮ 16፡22, 2ጢሞ 4፡8)