ገላትያ 3፡16-19, 21-22 እግዚኣብሔር ንህዝቢ እስራኤል በዚ ሕጊ እዚ ምእንቲ ክነብሩ ሕጊ ሂብዎም። (ዘዳ 5፡31)

እግዚኣብሄር ንህዝቢ እስራኤል ሕጊ ቅድሚ ምሃቡ፡ ንኣዳምን ንኣብርሃምን ነቲ ዘለኣለማዊ ኪዳን ዝዀነ ክርስቶስ ክሰዶም ምዃኑ ቃል ኣትዩሎም እዩ። እቲ ብሙሴ ዝተዋህበ ሕጊ፡ ኣምላኽ ንኣብርሃም ንክርስቶስ ክሰዶ ቃል ካብ ዝኣተወሉ 430 ዓመት ጸኒሑ፡ ክሳብ ክርስቶስ ዝመጽእ ጥራይ እዩ ተግባራዊ ነይሩ። ሕጊ ድማ ንኹሉ ሰብ ሓጥኣን ምዃኑ ብምግንዛብ ብክርስቶስ ክኣምን ይመርሖ ኣሎ። (ዘፍጥረት 3፡15፡ ገላትያ 3፡16-19፡ ገላትያ 3፡21-22)